ዋላ ናጽነት ትካላት ይሃሉ፣ ቡዙሓት ሞያታት ፍሉያት ቅጥዕታት ከማልኡ ኣለዎም። እዚ ከኣ ንርእሰ-ሓደር ስራሓት ኢደ ጥበብ፣ ንፍቓድ ዘድልዮም ትካላት ከምኡ'ውን ን ስሩዓት ሞያታት ዝምልከት እዩ። ባዕዳውያን (ካብ ጀርመን ወጻኢ ዝተቀስ) ክእለታት/ፍልጠት ብዘይ ወግዓውን ስሩዕን ተቀባልነት ኣብ ጀርመን: ብነጻ ሞያ ክነጥፉ ኣይፍቐድን። ንኣብነት ኣብ ስነ-ሃነጽቲ ወይ ሃንደስቲ(ኢንጂነራት)።
ደውሉልና ኢኹም ወይ ብኢመይል ጸሓፉልና ሕቶታት እንተ ኣለኹም!
ኣብ ጀርመን ፍቓድ ዘየድልዮምን ወይ ዘድልዮምን ሞያታት ጥበብ ኣለው። ነቶም ብ 43 ፍቓድ ግድን ዘድልዮም ጥበባት ፍሉይ ሞያዊ ክእለት ዘድልዩም ሞያታት የርኢ: ኣብዚ ናይ ሓለቓ-ክእለት ፍልጥት ወይ ተዛማዲ ዝመሰል ክእለት ወይ ዝመሳሰል ሓደ ወግዓዊ ፍቓድ ዘለዎ ናይ ክእለት የድሊ። ምዕራባዊ ጀርመን መዓልቲ ማሕበር ጥበብ (Westdeutscher Handwerkskammertag) ሓበሬታ ይህብ'ዩ።
ብቑዕ ዝኮነ ፍቃድ ዘድሊዮ ሞያ ኢደ-ጥበብ እንተ ደኣ ኣለኩም: ብቅዓትኩምን ናይ ሞያ ፍቃድኩምን ምስክር ወረቅት ብምቅራብ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ኢደ ጥበብ (Handwerksrolle) መዝገብ ትምዝገቡ∷ ኣብቲ መዝገብ ኩሎም ፍቓድ ዘድሊዮም ርእሰ-ሓደር ኢደ ጥበብ ስራሓት ተዘርዚሮም ይርከቡ። ምዝገባ ከኣ ግዴታ እዩ። ኣብ ቦታኹም ዝርከብ ናይ ኢደ ጥበብ ቤት ጽሕፈት ብምካድ ትምዝገቡ∷ ምልክታ ንምዝጋበ ኣብ ተራ ጥበብ (Antrag auf Eintragung in die Handwerksrolle) ንዘትረፉ ካልኦት ዘይተዘርዘሩ ጥበባት: ዝኾኑ ፍሉይ ሞያዊ ክእለታት ዘድሊ ኣይኮነን። ኣብ ሰነድ ፍቓድ ዘየድልዮም ኢደ ጥበብ ትካላት ክትምዝግቡ ትክእሉ።
ኣብዚ ዌብ ሳይት ዘድልየኩም ሓበሬታ ትረክቡ።
ንወግዓዊ ፍቓድ ናይ ባዕዳውያን ክእለታትኩም ተፈላጥነት ምእንቲ ክትረኽቡ: ናይ ተፈላጥነት ኣገባብ መስርሕ ከተካይዱ ኣለኹም:: ኣብ ሓደ ፍቓድ ዘድሊዮ ኢደ ጥበብ ርእሰ-ሓደርነት ክትዋስኡ/ክትሰርሑ ምስ እትደልዩ ኣብ ቦታኩም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኢደ ጥበብ (Handwerkskammer in der Region) ብምካድ: ርእሰ-ሓደር ኮንኹም ክትሰርሑ ከም እትደልዩ ምልክታኩም ተቅርቡ። ርእሰ-ሓደር ሞያዊ ክእለታትኩም ብማዕረ እንተ ደኣ ተራእዩ: ሓደ ጥበባዊ ትከል ንክትጅምሩ ቀዳማይ ዕንቅፋት ኣጥፊእኹም ማለት‘ዩ። ሕጂ ሞያኹም እትጥቀሙሉ መስል ረኪብኩም ኣለኩም:: እቲ ዘቅረብኩሞ ክእለትኩም ወይ ፍልጠትኩም ተፈላጥነት ምስ ዘይረክብ: ፈተና ብምግባር ዝተረፈኩም ፍልጠት ትምልኡ∷ ኣብ ናይ ኢድ ጥበብ ቤት ጽሕፈት ብምካድ ናይ ተዋሃሃዲ ፍልጠት ዕድል ትሓቱ∷
ኣብ መስረሕ ተፈላጥነት: ባዕዳውያን ክእለታትን ሞያዊ ተመኩሮታትን ሰነዳት ኣብ ወጻኢ(ኣብቲ ፍልጠት እተቀስሞ ሃገር): እዞም ክእለታትን ሞያዊ ተመኩሮን ምስቲ ሓባር ጀርመናዊ ሞያ (ረፈረንስ-ሞያ / Referenzberuf) ዝብሃል ማዕረ ምኳኖም ይምርመሩ። ብዙሓት ረፈረስ-ሞያታት ኣብ ሕቶ ክኣትዉ ይኽእሉ∷ሽዑ ኣበይ ዝበለጹ ዕድላት ሞያ ከምዘለው ምኽሪ ውሰዱ። ሓደ ጉዳይ ፍቓድ ብዝበለጸ ብምሉእ ማዕርነት እዩ ዝውድእ። ሓደ ሓደ ግዜ ጥራይ ሓደ "ኣካላዊ ፍቓድ" ይውሰን እዩ። ብኣካላዊ ፍቓድ ምስ ዝውሰን: ምውህሃድ ብቅዓት (Anpassungsqualifizierung) ብምግባር ወይ ፈተና ብምግባ ር/ብምውሳድ ም ሙሉእ ማዕርነት ክትቕበሉ ትኽእሉ። እቶም ባዕዳውያን ክእለታት ምስቲ ናይ ጀርመን ረፈረንስ-ሞያ ብፍጹም ተመሳሳልነት እንተዘይብሎም: ፍቓድ ሽዑ ኣይወሃብን ። ተወሰኽቲ ሓበሬታትን ሰራሕተኛታት ምኽርን ኣብ ትሕቲ እዚ ዝስዕብ ትረኽቡ።
www.anerkennung-in-deutschland.de
ፍሉያት ሕግታት ንምቛም ፍቓድ ዘድሊዮም ስራሓት ኢደ ጥበብ ኣሎ። ኣብዚ ክልተ ኣብነታት ክትረኽቡ ኢኹም: ይኹን‘በር ኩሎም ፍልልያት ሕግታት ኣየጠቃልልን። ስለዚ ንሕና እንመኽረኩም፡ እንተ ደኣ "ሰርቲፊከት ሕልቅነት / Meisterbrief" ዘይብልኩም ከምኡ'ውን ኣብ ፍቓድ ዘድሊዮ ጥበብ እንተ ደኣ ተገዲስኩም: ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜ ካብ ኪኢላታት ናይ ማሕበር ኢደ ጥበብ ምኽሪ ውሰዱ::
ካብ ጀርመን ወጻኢ ዝቀሰምኹሞ ብቅዓት/ፍልጠት/ሞያ ንክፍለጠልኹም ምስ ኣቅረብኹም ገሊኡ ተፈላጥነት ምስ ዝረክብ: ፍቅድ ዘድልዮ ናይ ኢደ ጥበብ ትካል ንክትገብሩ ዝከውን መገዲ እውን ኣሎ::
ናይ ወጻኢ ተመክሮታትኩም ብቅዓትኹም ኣብ ተፈላጥነት መስረሕ: ገሊኡ ካብ ተመክሮታትኩም/ ብቅዓትኹም ምስቲ ናይ ጀርመን ስራሕ ሕልቅነት (Meisterbrief) ተፈላጥነት ማዕረ ምስ ዘይከውን: በዚ ክእለታትኩምን ዘይተመሃርኩሞን ፍልጠት ክትሰርሑ ኣይፍቐደልኩምን። ግን ሓደ ኣካላዊ ስራሕ ናይቲ ፍቓድ ዘድሊዮ ጥበብ ንክትሰርሑ ይከኣል እዩ። ሓደ ኣብነት፥ ከም ቀምቃማይ ደቂ ተባዕትዮ ትካል ከተቁውም ይከኣል፣ ከም ቀምቃማይ ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣይፍቅድን: ምክንያቱ ንክልቲኡ ሞያ ዝከውን ፍልጠት ስለ ዘድሊ።
ካብ ጀርመን ወጻኢ ዝተቀስመ ፍልጠት/ክእለት ምስቲ ጀርመናዊ ፍልጠት/ክእለት ማዕረ ምስ ዝኸውን: ኣብ ስሩዓት ሞያታት ክትሰርሑ ይፍቐደልኩም። ዘለኹም ፍልጠት/ክእለት ወግዓዊ/ሕጋዊ ተቀባልነት ክህልዎ ኣለዎ። እዚ ማለት ካብ ዝምልከቶ ምምሕዳር ናይ ክእለታትኩም ብቅዓት ምስክር/ፍቃድ ትሓቱ። እዚ ወግዓዊ ፍቓድ ሞያ ትካል ክትሰርሑ/ክተማሓድሩ እንተ ደኣ ደሊኹም የድልየኩም። ተወሳኪ ሓበሬታ ኣብዚ ዌብ ሳይት ትረኽቡ። www.anerkennung-in-deutschland.de ትካል ንምምስራት: ኣየኖት ሞያታት ኣብ ጀርመን ስሩዓት ከምዝኾኑን ከምኡ'ውን እንታይ ረቋሒታት ክማልኡላእ ከም ዘለዎምን ኣብዚ ዝርዝር ትረኽቡዎ:: ምክንያቱ ሞያ ካብ ሞያ ዚፈላለ ስለዝኾነ። ኣብዚ ሓደ ዝርዝር ኢኹም ትረኽቡ።
ኣብ ጀርመን ርእሰ-ሓደር ንክትከውን ዝተፈላልየ ፍሉይ ፍቓድ የድሊ። ንኣብነት ንደለልቲ-ኢንሹራንስ ወይ ንኣመሓደርቲ ግላውያን ሆስፒታላት፣ ኣዳራሻት ጠላዓት ወይ ኣገልግሎት ሓለዋ ። ኣብዚ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ዝኾኑ ፍቓድ ዘድልዮም ትካላት ክትረኽቡ ኢኹም። ከምዚ ዚኣመሰሉ ፍቓድ ዘድልዮም ትካላት ከቁሙ ዝደልዩ፣ ናይ ዕላዊ ጠለባት መረጋገጺ ሰነዳት ብምቅራብ ካብ ቤት ምኽር ንግዳዊ ቤት ጽሕፈት ንርእሰ-ሓደር ዝወሃብ ፍቃድ ይሓቱ። እቶም ዝሕተቱ ዕላዊ ጠለባት ንኩሎም ፍቓድ ዘደልዮም ትካላት ማዕረ ኣይኮኑን፣ ካብ ሞያ ናብ ሞያ ክፈላልዩ ይኽእሉ። ዝበዝሕ ግዜ እዚኦም ዕላዊ ጠለባት ይሕተቱ:
እቶም ውሳነታት ናይ ፍቓድ ዘድልዮም ትካላት ኣብ ሕጊ ስርዓተ ትካልነት (GewO) § 29 ክሳብ § 40 ተሓጊጎም ይርከቡ። ፍቓድ እንተ ደኣ ረኪብኩም: ኣብ ፍቓድ ዘድልዮም ትካላት ክትሰርሑ ትኽእሉ። እዚ ፍቓድ ናብ ካልኦት ሰባት ክመሓላለፍ ኣይኽእልን: ከምኡ'ውን ካልኦት ሰባት እቲ ፍቓድ ናባኹም ከመሓላልፉ ኣይክእሉን እዮም። ሰነዳት ካብ ዝተፈላልዩ ምምሕዳራት ከተምጽኡ ስለዘለኩም፣ ኣብ ምምስራት ፍቓድ ዘድሊዮም ትካላት ንውሕ ዝበለ ግዜ ከም ዘድሊ ርዲኢት ክትገብሩ ኣለኩም።
መስረቲ መነባብሮን ስራሕን ን ሓድነታውያን ሰራሕተኛታት ምኽሪ (Einheitliche Ansprechpartner) ክሓቱዎም ይኽእሉ። ብዝተረፈ ኣብ መራሒ መገዲ ምምሕዳር BMWI ኣድራሻታትን ሰራሕተኛታት ምኽርን ትረኽቡ።
ሕቶታት ብዛዕባ ቅጥዕታት ምምሕዳር ትካል ኣለኹም’ዶ? ዝኾኑ ኣድለይቲ ሰነዳት ንክትረኽቡ ሓገዝ’ዶ ትደልዩ? ናብ ሓደ ኣማኻሪና ኣካል ኬድኹም ሕተቱ - ንሕና’ውን ቀጺልና ክንሕግዘኩም ኢና!
Dr. Ralf Sänger
IQ Fachstelle Migrantenökonomie
Mainz
E-Mail