ኣብ ጀርመን ብመሰረቱ ኩሉ ሰብ ብነብሱ ክሓድር መሰል ኣለዎ: ዋላ ቅቡላት ስደተኛታት። ብሰለስተ ስሩዕ ዝርዝር ናይ ርእሰ-ምምሕዳር ተፈልዮም ድማ ይግለጹ፡
ስለዚ እቲ ዝደለኹሞ ነፍሲ-ምሓደራ ሞያ: ካብቶም ሰለስተ ዓይነት ምሕደራታት ሞያ ኣብ ጀርመን፡ ምስ መን ከም ዝስራዕ ከተረጋገጹ ኣለኩም። ብዝተረፈ ከኣ ኣገደስቲ ጠለባትን ኣድላይነታትን: ሞያዊ ብቅዓትን: ወግዓዊ ተግባራትን ክማልኡ ኣለዎም። ኣብ ጀርመን ብዛዕባ ሞያውያን: ክእለታውን ወግዓውን ኣድላይነትታት: እንተላይ ብዛዕባ "ጠለባት ኣብ መርገጽ ሞያ"(Anforderungen an den Berufsstand) ከምዝዝረብ ክትሰምዑ ኢኹም። ስለዚ ኣድላይነትን ጠለባትን ናይነቶም ሰለስተ ዓይነታት ነፍሲ-ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ክኾኑ ስለዝኽእሉ: እቲ ንዓኹም ቅኑዕን ኣፍራይን ዓይነት ስራሕ/ሞያ ኣየናይ ከም ዝኮነ ከተረጋገጹ ኣለኩም።
ኣብዚ ኣየኖት ርእሰ-ሓደር ስራሓት ኣብ ጀርመን፡ ከም ትካል፡ ከም ነጻ ስራሕ ሞያ፡ ወይ ከም ተንቀሳቅሲ ሞያ ንጥፈታት ምኳኖምን እንታይ ፍልልያትን ኣድላይነታትን ከም ዘድሊዮም መረዳእታ ትረኽቡ።
ርእሶም ዝኽእሉ ወልቀሰባት ሰባት
እዚኦም ጠለባትን ሕግታትን እንተ ደኣ ዘይተማሊኦም፣ "ዘይሓቂ ርእሰ-ምሕዳር"("Scheinselbstständige") ብዝብል ስም ይጽዋዕ። ኣብ መብዛሕትኡ ዝረኤ ርእሰ ሓደር ንነዊሕ ግዜ ጥራይ ሓደ/ሓንቲ ስራሕ ወሃቢ(ት) ስራሕ ምስዝህልዎም‘ዩ። "ዘይሓቂ ርእሰ-ምሕዳር" ኣብ ጀርመን ክልኩል እዩ፡ ብሕጊ ድማ ነቲ ኣገልጋልን ወሃብ ስራሕን የቅጽዕ::
ትካል ኣብ ጀርመን ማለት ዝኾነ ገንዘብ ከተእቱ እትኽእል ሞያዊ ተግባር ክኸውን ይኽእል። እዚ ውን ጭቡጥ ትካልነት እዩ ዝብሃል፣ ከም ትካልነት መገሻ ዘይኮነ። ነጻ ስራሕ ሞያ ዝገብሩ ርእሰ-ሓደር ሰባት ፍላያት እዮም ወይ ኣብ ሕርሻን ስነ-ኣግራብን ዝሰርሑ - ንሳቶም ብትካልነት ኣይሰርሑን እዮም። ኣብ ጀርመን ናጽነት ትካል ኣሎ። እዚ ማለት፣ ብክልሰ-ሓሳብ ኩሉ ሰብ ዝኾነ ትካል ክገብር ይኽእል'ዩ። ብተግባር ግን እዚ ናጽነት ትካል ደረት ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ንሓደ ሓደ ትካላት ፍሉያት ኣድላይነታት ክህሉ ኣለዎ። ነየኖት ትካላት እንታዎት ኣድላይነታት ኣድለይቲ ከምዝኾኑ ኣብዚ ኢኹም ትፈልጡ።
ዘይጽግዕተኛ ዝገብሩ ነጻ ሞያውያን ንጥፈታት ከም ስነ-ፍልጠታውያን፣ ስነ-ጥበባውያን፣ ደረስቲ፣ መምህራን ወይ ህጻናት ኣለይትን ስራሓት እዮም።
ዋላ ኣብ ናይ ቀረጽ ግዴታት ፍሉይነት ኣሎ: ሓደ ነጻ ሞያዊ ዘይጽግዕተኛ ናይ ትካል ቀረጽ ክኽፈል ኣይግደድን‘ዩ። ዋላ'ቶም መረጋገጺታት ንቤት-ጽሕፈት ገንዘብ (ፋይናንስ) ("Finanzamt") ናይ ዓመታዊ ኣታዊ ቀረጽ ብዝምልከት ዝቀርብ ሰነዳት ካብ ቀዋሚ ትካል ዝነጥፋ ዝቀለለ’ዩ: ሓደ እቶትን ወጻእን ዘለዎ ጸብጻብ ኣካሊ እዩ። ብዛዕባ ነጻ ሞያዊ ስራሕ ፍቓድ ዝውስን እቲ ቤት-ጽሕፈት ገንዘብ (ፋይናንስ) ("Finanzamt") እዩ ። ኣየኖት ሞያውያን ስራሓት ነጻ ሞያታት ከምዝኾኑን ከምኡ'ውን እንታይ ቅጥዒ ክማላእ ከም ዘለዎን ካብዚ መወከሲ ክትርድኡ ትክእሉ።
ነፍሰ-ሓደር ንግዳዊ ስራሓት ብዝስዕቡ ኩነታት ከም ተንቀሳቀሲ ሞያታት ይቑጸሩ:
ብተወሳኺ ተንቀሳቀስቲ ሞያውያን ብርእሰ-ሓደርትነት: ብውሱናት ስራሓት ዋላኳ ብቁዕ ፍልጠት ንግዝዩኡ እንተዘይብሎም ክሰርሑ ይፍቀደሎም’ዩ∷ ቅጥዕታትን ጠለባትን ተንቀሳቀስቲ ሞያውያን ግና ክማላእ ኣለዎ∷ ቅጥዕታትን ጠለባትን መወከሲ ክትርድኡ ትክእሉ።
ኣብ ንዓሽቱ ትካል-ረዲኤታት፣ ናይ ርእሰ-ሓደር ኣብ ቀንዲ ትካልነት ወይ ናይ ንኡስ ትካልነት ከምዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ፣ ሳዕቤናት ኣብ ኣበርክቶታት ኢንሹራንስ ሕማም ክህሉ ስለዝከኣል። ኣብ ርእሰ-ሓደር ኣብ ምሉእ ትካልነት ዝስዕብ ብቑዕ እዩ፥
Dr. Ralf Sänger
IQ Fachstelle Migrantenökonomie
Mainz
E-Mail