እንታይ የድልየኒ?

ናይ ዑቁባ ሕቶ ምስ ገበርኩም፡ ከም ስደተኛ ተፈላጥነት ምስ ረከብኹምን ከምዚ ዝስዕብ ሽም ጽንሓት ኣለኩም፥ ሕግታት § 22፣ መስመር 2 AufenthG; §22 ፣ መስመር 3 AufenthG; § 23 ዓንቀጽ 2 AufenthG; § 25 ዓንቀጽ 1 AufenthG; § 25 ዓንቀጽ 2 AufenthG; § 26 ዓንቀጽ3 AufenthG ወይ § 26 ዓንቀጽ 4 AufenthG. ሽዑ ኣብ ጀርመን ብርእሰ-ሓደር ክትሰርሑ ትኽእሉ። ፍቓድ ካብ ምምሕዳር ወጻእተኛ ኣየድልየኩምን።

ውልቃዊ ወይ ቀንዲ ምንጪ እቶትኩም ዝኮነ ትካል ክትጅምሩ ትኽእሉ:: ኣብ ርእሲ እቲ ቀንዲ ትካልኹም ጎኒ ጎኒ ካልእ ስራሕ ንክትሰርሑ ይካኣል እዩ:: ንኣብነት ቀንዲ ስራሕኩም ከም ኣስራሓይ/ት ትሰርሑ እንትኾንኹም። ኣብ ጀርመን ጎናዊ ስራሕ ናብ ምሉእ ስራሕ ንኽልወጥ ግዝያዊ ደረት የብሉን።

ደውሉልና ኢኹም ወይ ብኢመይል ጸሓፉልና ሕቶታት እንተ ኣለኹም! ሃናጺ መገድታት ከነርእየኩም ኢና።


ምዝገባ ርእሰ-ሓደርነት ስራሕ

ጠለብ ርእሰ-ሓደርነት ስራሕ/ትካል ኣብ ጀርመን: ብምምልካት ትካል ወይ ምዝገባ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፊይናንስ ይጅምር:: እዚ ቅድም ዝተጠቅሰ ንነጻ ሞያታት ይምልከት።

ትካል ወይ ነጻ ሞያ

ትካል እንታይ እዩ? ነጻ ሞያዊ ስራሕ'ከ እንታይ እዩ?


ምዝገባ ትካል
ትካልኩም ንምምዝጋብ  ናብ ምምሕዳር ትካላት ኣብቲ ትቕመጡሉ ወይ ርእሰ-ሓደር ስራሕ እትገብሩሉ ከተማ: ዓዲ ወይ ዞባ ኬድኩም ተመዝግቡ። ኣድራሻ ምምሕዳር ትካላት ንምርካብ: ኣብ ምምሕዳር ዜጋታት ቤት ጽሕፈት ብምካድ ወይ ኣብዚ መርበብ ኢንተርነት ብምድላይ ክትረክቡዎም ይከኣል። ኣብ ኢንተርነት www.bmwi-wegweiser.de/suche/behoerden/ “ምምሕዳር ታካል" (Gewerbeamt) ዝብል ቃል ብምርካብ ትመርጹ፡ ብድሕሪኡ „መምርሒ ቁጽሪ ፖስታ”(Postleitzahl) ብምምራጽ እቲ ትካል ክትጅምሩሉ እትደልዩ ቦታ ክትረኽቡ ኢኹም። ዝኾነ ሓበሬታ ርክባትን ከምኡ'ውን ምምሕዳር ቤት ጽሕፈት ትካላት ዝክፈተሉን ዝዕጸወሉን ስዓታትን ክትረኽቡ ትኽእሉ። ዝበዝሕ ግዜ ኣብቲ መርበብ ኢንተርነት ንምምሕዳራት ትካል ዝምልከት ዝምላእ  ሰነዳት(ፎርምታት) ክትረኽቡ ኢኹም: ሓደ ሓደ ትካላት ነዚ ዝምላእ ሰነዳት(ፎርምታት) መሊእኹም ኣብ ቀጸራኹም ከተቅርብዎ ይጽበዩ/ይደልዩ እዮም።

ንምዝገባ ትካል እዞም ዝስዕቡ የድልዪኩም፥

  • ሓደ ብቑዕ/ግዝያዊ ወረቀት መንነት (Personalausweis) ወይ ፓስፖርት (Reisepass)፣ ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ መረጋገጺ ምዝገባ ካብ ምምሕዳር ተቐማጦ/ነበርቲ (Einwohneramt)።
  • መረጋገጺ ቅጥዕታት ናይ መረጋገጺ ሞያ
  • ዓሰርተ ክሳብ 50 ንክፍሊት ምዝገባ።
  • ፍቓድ ዘድልዮም ትካላት ናይ ፖሊስ ሰርቲፊኬት ጠባይ ወይ ሓበሬታ ካብ ምዝጋበ ማእከላዊ ትካልነት የድልየኩም።
  • ትካላት መገሻ ካርታ ትካልነት መገሻ ተድልየኩም። ብተወሳኺ ከኣ ሓደ ናይ ፖሊስ ሰርቲፊኬት ጠባይ ከተርእዩ ከምኡ'ውን ካብ 40 ክሳብ 770 ኦይሮ ክትከፍሉ ኣለኩም። እታ ካርታ ትካልነት መገሻ ኩሉ ግዜ ኣብ ተግባር ስራሕኩም ክትማልኡ ኣለዎ።

ምዝገባ ናይ ሓደ ነጻ ሞያዊ ስራሕ
ኣብ ሓደ ነጻ ሞያዊ ስራሕ ርእሰ-ሓደር ክትኮኑ እንተትደልዩ፣ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፊናንስ ክትምዝግቡ ኣለኩም። እቲ ምዝጋበ ብወግዒ ኣይክግበርን እዩ፣ ማለት ዝምላእ ፎርም የለን፣ ንስኹም ባዕልኹም ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ምምስራት መደብኩም ዘለዎ ደብዳበ ትጽሕፉ። እቲ ቤት-ጽሕፈት ፊናንስ ብድሕሪኡ ሓደ „ዝምላእ ፎርም ንምዝጋበ ቀረጽ“ ክሰዱልኩም'ዩ ከምኡ'ውን ሓደ ቁጽሪ ቀረጽ ክህቡኹም'ዩ። ብዘይካ ምዝጋበ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፊናንስ፣ ንዝበዝሑ ነጻ ስራሓት ሞያ፣ ፍሉያት ክእለታትን ናይ ፊናንስ ኣድላይነታትን ወይ ከኣ ካልኦት ኩነታት ዘድልዩ እዮም። እዚኦም ኣድላይነታት ኣብዚ ክትፈልጡ

መደብ ስራሕ/ትካል (Businessplan)

ትካልኹም ኣብ ጀርመን ብቅኑዕ ንምምስራት: ካብ መጀምርታ መደብ ስራሕ/ትካል ብቅኑዕን ንጹርን ኣገባብ ንከተዳልዉ ንመኽረኹም∷ መደብ ስርሕኹም ንትካልኹም ስጉምቲ ብስጉምቲ ንምምስራትን ዝሕግዘኹም ጥራይ ዘይኮነ: መጻኢኹም ክትግምግሙን ኣብ ግምት ከተእትውን ይሕግዘኹም። ኣብ ብዝሕ እዋናት‘ውን መደብ ስርሕ ኣድላዪ እዩ:: ንኣብነት ልቓሕ ካብ ሓደ ባንክ ምስ ዘድልየኹም።
ኣብ መደብ ቢዝነዝ ጽሑፍ ብሕልፊ ጎሊሖም ክራኣዩ ዘለዎም ሓሳባት እዞም ዝስዕቡ እዮም

  • ሓሳብኩም ስለምንታይ ጽቡቕ ከምዝኾነ:
  • ዓማዊልኩም መነ መን እዮም:
  • ብከመይ ዓማዊልኩም ትረኽብዎም:
  • ብምንታይ ካብ ተወዳደርትኩም ትበልጹ፡
  • ብከመይ መልክዕ ካብ ትካልኹም ገንዘብ ትረክቡ
  • ብምንታይ ቁጠባ ትካልኩም ትምውሉ/ተመሓድሩ

መራኽቦ

Dr. Ralf Sänger

Dr. Ralf Sänger
IQ Fachstelle Migrantenökonomie
Mainz
+49 (0)6131 9061855
E-Mail